Agriculture

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻን ትግራይ ብምትሕብባር ሕርሻ ትግራይ ንምዝማን ዘኽእሉ ስራሕቲ ንምስራሕ ሓበራዊ ውዕሊ ስራሕ ብምፍርራም ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ኣብ ምብዛሕ ዘመናዊ ምህርቲ ሕርሻ ማለት’ውን ልምዓት ዝራእቲ፣ ሃፍቲ እንስሳን ምጥቃምን ምልማድን ቴክኖሎጂ ሕርሻን ትኹረት ገይሩ ይስራሕ ኣሎ።

እቲ ሓበራዊ ስምምዕ ስራሕ ማእኸል ኢንቨስትመንት ሕርሻ ቓላሚኖ ማእኸል ሰሪሕኻ መርአይ ስራሕቲ ሕርሻን ብምዃን የገልግል ዘሎ እንትኾን ቅድሚ ሓደ ወርሒ ብዝተበፅሐ ምርድዳእ ድማ ማእኸል መሰልጠኒ ሕርሻ ሜካናይዜሽን ክኸውንን ነዚ ዘድልዩ ናውቲ ብቐፃልነት ንምምላእን ፃዕሪ ይግበር ዘሎ ኮይኑ እቲ ቢሮ ንማልት ብዝሃበን 4 ትራክተራት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ 200 ኣብ ሰሙን ድማ 40 ዜጋታት ብትራክተር ኦፕሬተርነት ንምስልጣብ ብዝተትሓዘ መርሃ ግብሪ መሰረት ቀዳማይ ዙር ስልጠና ምሃብ ተጀሚሩ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብን ምጅማር ስልጠናን ዝተረኸቡ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገብረእግዚኣብሄር፤ ዘፈር ኢንዱስትሪ፣ ቁጠባን ካልኦት ስራሕቲ ልምዓትን ስግግር ንምምፃእ ኣብ ዘፈር ሕርሻ ትግራይ ልዑል ጠመተ ሂብካ ንምስራሕ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ሜካናይዜሽን ሕርሻ ምትእትታውን ምትግባርን ግድን ስለዝኾነ ማልትን ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ትግራይ ናይ ሓባር ዕማም ንምፍፃም ዝሰርሕዎ ዘለው ስራሕቲ ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ ብምግላፅ ንቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ትግራይን ኣሰልጠንትን ኣመስጊኖም።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ትግራይ ዶ/ር እያሱ ኣብርሃ ብግዲኦም፤ ኣብ ሕርሻ ትግራይ ርኡይ ለውጢ ንምምፃእ ካብ ልሙድ ውፅእ ብዝበለ ኩለመዳይ ሜካናይዜሽን ሕርሻ ናብ ግብረ ብምውዓል ልዑል ጠመተ ተዋሂቡ ይስራሕ ከምዘሎ ካብዚኦም ድማ ቢሮ ሕርሻ ልምዓት ገፀርን ትግራይ ምስ ማሕበር ልምዓት ትግራይን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ብምትሕብባር ዝተጀመረ ስልጠናን እንትኾን ሰልጠንቲ ምሉእ ስልጠና ብምሃብ ፍቓድ መዘወሪ ክረኽቡ ከምዝግበር ገሊፆም።

ነቲ ዝውሃብ ስልጠና ብገንዘብን ሞያን ናይ ዝሕግዝ ትካል ጂኣይ ዜድ ተወካሊ ዝኾኑ ኣይተ በላይ ታደሰ ብወገኖም፤ ሕርሻ ትግራይ ንምዝማንን በዚ ኣቢሉ ሓረስታይ ትግራይ ዝረኽቦ ምህርቲ ንምስሳን ቢሮ ሕርሻ ልምዓት ገፀርን ትግራይ በይኑ ዝሰርሖ ጉዳይ ብዘይምዃኑ ጂኣይዜድ ምስ ማልትን ካልኦትን ብምትሕብባር ንፈለማ እዋን ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠና ዝውሃብ ኮይኑ ብቐፃልነት ናይ ፅገናን ቀረብ መለዋወጢ ኣቑሑትን ንምምላእ ብዝተዋደደ መልክዑ ተጠናኺሩ ዝቕፅል ምዃኑ ሓቢሮም።

ኣብቲ ዕለት ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ንማእኸል ኢንቨስትመንት ሕርሻ ቓላሚኖ ናይ ዝሃበን 4 ትራክተራት ስነስርዓት ርኽክብ ቁልፊ ተሳሊጡ እዩ።

Leave A Comment

Your Comment
All comments are held for moderation.

TigTigrigna
X