Helping

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ ማልት ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካን ኮምዩኒቲ ትግራይ ሳክራሚንቶን ዝተልኣኸ ልዕሊ 4 ሚልዮንን 189 ሽሕ ብር ሓገዝ ገንዘብ ንግብረ ሓይሊ ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣረኪባ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ብር 3 ሚልየን 5 ሚኢትን ኣርባዕን ሽሕን ከምኡ’ውን ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ዝርከብ ኮምዩኒቲ ትግራይ ሳክራሚንቶ ብር 6 ሚኢቲን ኣርባዓን ትሸዓንተን ሽሕ ብድምር ልዕሊ 4 ሚልዮንን 189 ሽሕ ብር ሓገዝ ንግብረ ሓይሊ ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣረኪባ።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃኢን ንዝሎ ትግራዋይን ፈታዊ ልምዓት ህዝቢ ትግራይን ኣብ ትግራይ ንዝጋጠመ ሓደጋ ድርቂ ህፁፅ ሓገዝ ንክገብር ፃውዒት ምቕራባ ስዒቡ ዝተልኣኸ ልዕሊ 4 ሚልዮንን 189 ሽሕን ብር ንግብረ ሓይሊ ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ዘረከቡ ምኽትል ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶ/ር ተስፋሁነኝ ሃይለማርያም፤ ኣብ እዋን ፀበባን መከራን ከምኡ’ውን ኣብ እዋን ሰላም ኣብ ምስላጥ ልምዓት ኩሉ ግዘ ኣብ ጎኒ ህዝቦም ዓዶምን ኮይኖም ለይትን ቀትርን ዝድግፉ ዘለው ኣባላት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካን ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ዝርከቡ ኣባላት ኮምዩኒቲ ትግራይ ሳክራሚንቶ ንዝገበሩዎ ሓገዝ ምግባረ ሰናይ ኣመስጊኖም።

ነቲ ሓገዝ ዝተቐበሉ ኣባል ግብረ ሓይሊ ህፁፅ ምላእሽ ንትግራይ ኣባ ጥዑም በርሀ ብግድኦም፤ ብተፈጥሮን ሰብ ስራሕን ሓደጋታት ሓሳረ መከርኡ ዝርኢ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ካብ መፃብብ ወፂኡ ንመፃኢ ኣብ ልምዓት ንክስጉም ሐዚ እንገብሮ ስራሕቲ ሂወት ኣድሕን ወሳኒ ምዃኑ ኣሚኖም ሓገዝ ገንዘብ ንዝገበሩ ኣባላት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ከምኡ’ውን ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ዝርከብ ኮምዩኒቲ ትግራይ ሳክራሚንቶ ብሽም ኣባል ግብረ ሓይሊ ህፁፅ ምላሽ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ብምምስጋን እቲ ዝተልኣኸ ሓገዝ ብህፁፅ ናብ ተጠቀምቲ ከምዝባፃሕ ግልፂ ገይሮም።

Leave A Comment

Your Comment
All comments are held for moderation.

TigTigrigna
X