Uncategorized

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ን155 ሽሕ ህፃናት፣ ደቂ ኣንስትዮን ኣዴታትን ብዘላቕነት ተረባሒ ዝገብር ፕሮጀክት ስነ መኣዛ ተሳልጥ ኣላ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ትካል ገባሪ ሰናይ ዩኒሴፍ ብምትሕብባር ሕፅረት ምግቢ ንዘለዎም ህፃናትን ኣዴታትን ህፁፅ ምላሽ ዝህብ ፕሮጀክት ስነ መኣዛ ተሳልጥ ምህላዋ ኣብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ጥዕናን ስነ መዓዛን ኣይተ ተስፋይ ተመስገን ገሊፆም።

ብልዕሊ 54 ሚልዮን ብር ወፃኢ ን155 ሽሕ ህፃናት፣ ደቂ ኣንስትዮን ኣዴታትን ብዘላቕነት ተረባሒ ንምግባር ዓሊሙ ብ36 ሚልዮን ብር በጀት ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳታት ማይጨው፣ ነቕሰገን እንዳመኾኒን ተግባራዊ ዝኸውን ዘሎ እዚ ፕሮጀክት 3,976 ጉዱድ ሕፅረት ምግቢ ዝተረኸቦም ናብ ተመላሊስካ ሕክምና ኣትዮም ኣድላይ ዘበለ ክትትል ዝተገበረሎም፣ 5,404 ህፃናት ክብደትን ላዕለዋይ ቅልፅም ኢድን ብምልካዕ ካብ ሕፅረት ምግቢ ንምድሓን በቢ ክልተ ሰሙኑ ተወሳኺ ምግቢ ከምዝተውሃቦምን እቶም 206 ህፃናት ድማ ተደራቢ ሕማም ዘለዎም ደቂሶም ዝተሓከሙ ምዃኖም ዝሓበሩ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ጥዕናን ስነ መኣዛን ማልት ኣይተ ተስፋይ ተመስገን፤ ልዕሊ 13 ሽሕ ህፃናት ፈውሲ ፀረ መዓናጡ ሓሳኹ ከምዝተውሃቡን ንልዕሊ 22 ሽሕ ድማ ቫይታሚን ኤ ክረኽቡ ከምዝኽኣሉን ኣረዲኦም።

ሕፅረት ምግቢ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዝዓለመ ከባብያዊ ፀገም ከባብያዊ ፍታሕ ንምንዳይን ኣብ ሰርዓት ኣመጋግባን ዳግመ ሕውየትን ትግራይ ዓብይ እጃም ዘለዎ ፕሮጀክት ሓመድ ኣልባ ሕርሻ ምስ ዩኒሴፍ፣ ቢሮ ጥዕናን ዩኒቨርሲቲ መቐለን ብምትሕብባር ብ18 ሚልዮን ብር ኣብ ፈተነ ፅንዓት ይርከብ ዝበሉ እቶም ብዓል ሞያ ጥዕና ፤ እቲ ፈተነ ፅንዓት ኣብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ሕርሻ ቓላሚኖ ሓደ ማእኸል መሰልጠኒ፣ ኣብ 50 መራሕቲ ስድራን፣ ኣብ 2 ኣብያተ ትምህርት ከምኡ’ውን ኣብ ክልተ ማእኸላት መሰልጠኒ ሓረስቶት ምዃኑ ኣብሪሆም።

እዞም ብ54 ሚልዮን ወፃኢ ኣብ ሰነ መዓዛን ከባቢ መሰረት ዝገበረ ፍታሕ ንምምፃእ ኣብ ትግበራ ዘለው ፕሮጀክታት ብፍሉይ ኣብ ህፃናትን ኣዴታትን ዘጋጥም ዘሎ ህፅረት ምግቢ ንምቕናስን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ልዑል እጃም ንክህልዎ ዓሊሙ ይስራሕ ኣሎ ‘ውን ይብሉ ኣይተ ተስፋይ ተመስገን።

Leave A Comment

Your Comment
All comments are held for moderation.

en_USEnglish
X