Uncategorized

ኣብ ሃገረ ጀርመን ዝነብር ኤርትራዊ ወገን ኣይተ ተኸስተ ደስታ ብድርቂ ንዝተሃሰዩ ወገናት ንክውዕለሉ ዓሊሙ ዝለኣኾ ሓገዝ ብር 23,000.00 ብተወካሊኡ መንእሰይ መርሃዊ መዝገበ ኣቢሉ ናብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣታዊ ገይሩ።

ነቲ ሓገዝ ተቐቢሎም መልእኽቲ ዘሕለፉ ተወካሊ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ውዳበ ኣባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን ማልት ኣይተ ታደሰ ተኽላይ ብወገኖም፤ ፈታዊ ልምዓት ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ሓውና ኣይተ ተኸስተ ደስታ ህዝብና ኣብዚ እዋን ዘጋጠሞ ድርቂ ብዓቕሙ ንምሕጋዝ ዓሊሙ ንዝገበሮ ሓገዝ ብሽም ማልትን ተጠቀምትትን ብምምስጋን እቲ ሐዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ድርቂ ዝያዳ ሕብረትን ስምረትን ኩሎም ህዝብታት ዝጠልብ ስለዝኾነ እቲ ፀገም ኣብ ምቅላል ዝክኣሎም ሓገዝ ብምግባር ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ንክፍፅሙ ፀዊዖም።

ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ኣባላትን ደገፍትን ማልትን ፈታውቲ ልምዓት ህዝቢ ትግራይን ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ዓለምለኸ ባንኪ ኣንበሳ፣ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ባንኪ ወጋገንን ብማልት ብዕሊ ዝተኸፈተ ፍሉይ ሒሳብ ቁፅሪ 1111 ሞባይል ባንኪንግ ብምጥቃም ኣብ ከቢድ ጥሜትን ዓፀቦን ዝርከብ ህዝብና ንክንበፅሐሉ ንላቦ።

Leave A Comment

Your Comment
All comments are held for moderation.

en_USEnglish
X