Uncategorized

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ሳመር ኢቨንትን ሞዴሊንግን ምስ ተጠርኒፈን ምስ ዝሰርሓ ሞዴላት ደቂኣንስትዮ ትግራይ ብወለንታውነት ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ማሕበራዊ ሓላፍነቶም ንክዋፃኡ ኣብ ዘኽእሉ ስራሕቲ ምልዕዓል ንኽዋፈራ ዘኽእል ሓበራዊ ዘተ ኣሳሊጣ።

እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ምስ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ዘካደየኦ ሓበራዊ ዘተ ኣብ ሕሉፍ ስራሕቲ ማልትን ኣብቶም ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝሓተትሓዙ ዓበይቲ ዋኒናት ልምዓትን ዝምልከት መብርሂ ተዋሂቡወን።

ድሕሪ እቲ ሓበራዊ ዘተ ማልት ኣብ ኩለመዳይ ልምዓት ብፍላይ ድማ ኣብ ህንፀት ልምዓት ሓይሊ ሰብ ዝነበራ ኣበርክቶ ክግንዘባ ከምዝኽኣላን ብቐፃልነት ንእተሳልጦም መደባት ህዝቢ ብዝነጥፈኦ ዘለዋ ዓውዲ ከምዝድግፋ ድልውነተን ገሊፀን።

Leave A Comment

Your Comment
All comments are held for moderation.

en_USEnglish
X