Uncategorized

ስራሕቲ ማልት ብተግባር፤ ማልት ብሰንኪ ሕፅረት ናውቲ ትምህርቲ ህፃናት ትምህርቶም ንከያቋርፁ ሓገዝ ሂባ (05 ለካቲት 2016,

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ማእኸል ተመዛበልቲ (IDP) ሰለኽለኻ ተዓቂቦም ንዝርከቡ 150 ተምሃሮ ዝውዕል ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ማለት’ውን 600 ደፍተር መተሓባበሪ ትምህርቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝኾኑ ኣይተ ዳኒኤል መሰለ ኣብ ዝተረኸቡሉ ሓገዝ ዝገበረት እንትትኸውን እቲ ደገፍ ተምሃሮ ብሰንኪ ሕፅረት ደፍተር ትምህርቶም ንከየቋርፁ ከምዝገበረ መተሓባበሪ ማልት ጨንፈር ዞባ ሰሜን ምዕራብን ምዕራብን ትግራይ ዝኾኑ ኣይተ ኪሮስ ግደይ ገሊፆም።
ቅድም ክብል ማልት ኣብ መላእ ትግራይ ንዝርከቡ ተምሃሮ ደገፍ ዝተፈላለዩ ናውቲ ትምህርቲ ማለት’ውን ደፍተር፣ እርሳስ፣ ቢሮ፣ ፀሊም ሰሌዳ፣ ወዘተ ብምሃብ ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ንከይተርፉ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ኣብያተ ትምህርቲ ምችዊ ከዲ ምምሃር ምስትምሃር ንክህልወን እናገበረት ፀኒሓን ኣላን።
ማልት ምሕጋዝ ህዝቢ ትግራይ ምሕጋዝ’ዩ’ሞ ኣብ ደገን ውሽጥን እትርከቡ ወገናት ዕላማ ማልት ብምድጋፍ ዝከኣለኩም ሓገዝ ክትገብሩ ንላቦ። ሰላም!

Leave A Comment

Your Comment
All comments are held for moderation.

en_USEnglish
X