Uncategorized

ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ንመበል 24 ዙር ሓደሽቲ ብሉፃት ተምሃሮ ተቐቢሉ

እቶም ተምሃሮ ንምቕባል ኣብ ዝተገበረ ስነ ስርዓት ላዕለዎት ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ማሕበር ልምዓት ትግራይን ቓላሚኖን፣ወለድን ነባራት ተምሃሮን ተረኺቦም።

ኣብቲ ሓደሽቲ ተምሃሮ ንምቕባል ዝተገበረ ስነ ስርዓት ናይ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም መልእኽቲ ዘሕለፉ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ዶ/ር መርሃዊ ኣብርሃ፤ ኣብቶም ዝሓለፉ ናይ ፅንተት ዓመታት ኣብ ትምህርቲ ዝበፅሐ ሰፊሕ ጉድኣት መርኣያ ኣብ መላእ ትግራይ ዝበፅሐ ኩለመዳያዊ ዕንወት ምዃኑ ብምግላፅ ማልትን ቓላሚኖን እውን ዝበፅሖም ጉድኣት ተፃዊሮም ኣብዚ ዓመት ንኻልኣይ ግዜ ብሉፃት ተምሃሮ 9ይ ክፍሊ ምቕባል ምኽኣሎም ገሊፆም።

እቲ ቕበላ ተምሃሮ ድሌት ትምህርቲ ተምሃሮን ወለድን ኣብ ግምት ብምእታው ዝተወሰነ ውሳነ ምዃኑ ዝሓበሩ ዶ/ር መርሃዊ፤ ወለድን ካልእ ክፋል ማሕበረሰብን ኩለመዳያዊ ድጋፎም ከሐይሉ፣ተምሃሮ እውን ኣብ ትምህርቶም ጠመተ ገይሮም ካብኦም ዝድለ ፃዕሪ ከካይዱ ተላብዮም።

ናይ ክብሪ ጋሻ እቲ ዕለት ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገ/እግዚኣብሄር ብወገኖም፤ትግራይ ንምጥፋእ ብርክት ዝበሉ ግፍዕታት ዝተፈፀሙ እኳ እንተኾኑ ትውልዲ ንምድንቋር ዝተኸደ ኽያዶ ግና ኣዝዩ መስካሕክሕን ሕድሕድ መሰረተ ልምዓት ትምህርቲ ብምዕናውን ብስልታዊ ፅንተት ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ከይምለሱ ዝገበረን ምዃኑ ሓቢሮም።

ማልት በታ ዝነበረት ውስንቲ ዓቕሚ እውን እንተኾነ ኣብዚ ዓመት ካሕሳ ምእንተ ክብሪ ዓዶምን መንነቶምን ዝሓለፉ ጀጋኑ ብግብሪ ንምርኣይ በርቲዖም ክመሃሩ ዝኽእሉ ብድምር 620 ብሉፃት ተምሃሮ ተቐቢላ ኣብ ምምሃር ትርከብ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሰፊሕ ትኹረት ዝረኸበ ውፅኢት ፈተና ተምሃሮ 12 ክፍሊ ብሉፅነት ተምሃሮ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ዘመስከረ ምንባሩ ዘዘኻኸሩ እቶም ፈፃሚ ዳይሬክተር፤ሐዚ ዝኣተዉ ሓደሽትን ነባራትን ተምሃሮ ድማ ደጊሞም ብሉፅነቶም ከረጋግፁ ብምሕባር ስርዓተ ክብርታት ትግራይ ንምምሕያሽን ናብ ንቡር ንምምላስን ግደ ሕድሕድ ስድራ ዕዙዝ ምዃኑ ብምግንዛብ ትግራይ ናብ ክብርታታ ንኽትምለስ ሓበራዊ ስራሕ ይጠልብ ኢሎም።

ኣብቲ ብዝተፈላለዩ ፅምብላት ዝተሰነየ መድረኽ ቅበላ ሓደሽቲ ተምሃሮ ዝተሳተፉ ወለድን ተምሃሮን ከምዝበሉዎ ድማ፤ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኩሉ ትግራዋይ ብዘይ ዝኾነ ኣፈላላይ ክዓስለላ ብሰብ ራእይ ካብ እትምስረት ንነዘ ኩለመዳይ ልምዓት ትግራይ ንምርግጋፅ ኣብ ምንቅስቓስ ከም እትርከብ ብምግላፅ ብፍላይ ኣብ መዳይ ትምህርቲ ወለዶ ብመስርሕ ምትኽኻእ ብሉፅነቶም ሓልዮም ኣብዚ ብርኪ ከም ዝበፅሐን እዚ ቐፃልነት ሃልዩዎ ንኽስጉም ድማ ግደ ተምሃሮ፣ወለድን ካልኦት ክፋላት ማሕበረሰብን ዓብዪ እዩ ኢሎም።

Leave A Comment

Your Comment
All comments are held for moderation.

en_USEnglish
X