Uncategorized

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብኸቢድ ንዝዓነወ መሰረተ ልምዓት ትምህርቲ ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ትሰርሕ ምህላዋ ኣፍሊጣ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ደማዊ ኲናት ኣብ መሰረተ ልምዓት ትምህርቲ ዘብፅሖ ከቢድ ዕንወት ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ትግራዋይ፣ ፈታዊ ልምዓት ህዝቢ ትግራይን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ብምትሕብባር ትሰርሕ ምህላዋ ኣብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ትምህርትን ስልጠናን ኣይተ ትርፍነህ ይመር ገሊፆም።

እቶም ዳይሬክተር ነዚ ዝገለፁ ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብዝልኣኾ ኣስታት 7 ሚልዮን ብር ተዓዲጎም ኣብ 6 ዞባታት ናብ ዝርከባ 62 ወረዳታት ናይ ዝተልኣኹ 1000 ፀሊም ሰሌዳ ምብፅሑ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ እዩ።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 2016 ዓ/ም ብልዕሊ 39 ሚልዮን ብር ተዓዲጎም ናብ ማልት ዝተልኣኹ ናውቲ ትምህርቲ ደፍተር፣ ቢሮን እርሳስን ኣብ 67 ወረዳታትን10 ማእኸላት መዕቖቢ ተመዛበልትን ዝርከቡ 75 ሽሕ ተምሃር ቀረብ ናውቲ ትምህርቲ ረኺቦም ዝምሃሩሉ ዕድል ተፈጢሩ ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ትርፍነህ ይመር፤ እቲ ሐዚ ናብ 62 ወረዳታት ተባፂሑ ዘሎ 1000 ፀሊም ሰሌዳ ድማ እቲ ብሰንኪ ኹይናት ብኸቢድ ብምህሳዩ ንኸይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዕንቅፉት ኮይኑ ዘሎ ጠለብ ፀሊም ሰሌዳ እተን ኣብያተ ትምህርቲ ዝመልእ እዩ ክብሉ ኣረዲኦም።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ትካል ገባሪ ሰናይ ለሚኖስ ፈንድ ብምትሕብባር ኣብ ወረዳ እንዳ መኾኒ ንዝርከባ 25 ኣብያተ ትምህርቲ ይውሃብ ዘሎ ፕሮጀክት ካልኣይ ዕድል ትምህርቲ ዝኸውን ብ150 ሽሕ ብር ዝተዓደጉ 30 ፀሊም ሰሌዳ ከምዝተባፅሐ እቲ ፕሮጀክት ብዕውት መንገዲ ንክጉዓዝ ኣብ ምግባር ልዑል እጃም ይፃወት ኣሎ ‘ውን ኢሎም ኣይተ ትርፍነህ።

ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝርከባ ጨናፍር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ፣ ትካል ገባሪ ሰናይ ለሚኖስ ፈንድን ብውልቀ ንኣብያተ ትምህርቲ ሓገዝ ንዝገበሩ ኣካላትን ዘመስገኑ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ትምህርትን ስልጠናን ማልት ኣይተ ትርፍነህ ይመር፤ እቲ ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ትግራይ በፂሑ ዘሎ ሰፊሕ ዕንወት ናብ ንቡር ንምምላስ ግደ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ስለዝጠልብ ኩሉ ኣብ ፅላላ ዓሲሉ ዝክኣሎ ደገፍ ንክገብር ፀዊዖም።

Leave A Comment

Your Comment
All comments are held for moderation.

en_USEnglish
X