Uncategorized

ኣባላት ህድሞና ሓባር ኣባይቲ 2012 ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር፤ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብድርቂ ንዝተሃሰዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ንምሕጋዝ ንዘቕረበቶ ፃውዒት ምላሽ ብምሃብ 32 ሽሕ ብር ሓገዝ ገይሮም

ነባርነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ 32 ኣባላት ህድሞና ሓባር ኣባይቲ 2012 ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር፤ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብድርቂ ንዝተሃሰዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝውዕል ሓገዝ ንምትእኽኻብ ንዘቕረበቶ ፃውዒት ምላሽ ብምሃብ ሕድሕድ 1000 ብር ብምውፃእ 32 ሽሕ ብር ንዋና ቤት ፅሕፈት ማልት ኣታዊ ገይሮም።

እቲ ብኣባላት ህድሞና ሓባር ኣባይቲ 2012 ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ዝተውሃበ ሓገዝ ገንዘብ ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣታዊ ካብ ዝገበሩ ኣቦወንበር እታ ማሕበር ኣይተ ኣርኣያ ተስፋይ ከምዝበልዎ፤ ኣባላቶም ቅድም ክብል ኣብ ጎኒ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኮይኖም መሰል ሓገዛት እናገበሩ ከምዝመፁን ሐዚ ‘ውን ህፃናት ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ሓደጋ ድርቂ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ይርሕቑ ምህላዎም ብምርድእ ብዓቕሞን ዝገበሩዎ ሓገዝ ምዃኑ ገሊፆም።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝወገነቶም ዓበይቲ ዋኒናት ልምዓት ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ልምዓት ኣብ ዘፈር ትምህርትን ጥዕናን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ከም ዝንእዱ ዝገለፁ ኣይተ ተስፋይ ኣርኣያ ብቐፃልነት ኣብ ፅላላ ብምዕሳል ዘጋጥሙ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምቅላል ክንነጥፍ ኢና ኢሎም።

ኣባላት ኣባላት ህድሞና ሓባር ኣባይቲ 2012 ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ዝገበሩዎ ሓገዝ ገንዘብ ብምቕባል ንኣባላት እታ ማሕበር ካብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተውሃበ ናይ የቐንየልና ምስክር ወረቐት ዝረከቡ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ፋይናንስን ምምሕዳር ሓይሊሰብን ንብረትን ማልት ኣይተ ጊደይ ኣየለ ብግዲኦም፤ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ድርቅን ካልኦት ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማትን ሓበራዊ ፍታሕ ይጠልብ ካብ ዝብል ሰናይ ሓሳብ ፈፂምኩምዎ ዘለኹም ሰናይ ተግባር ብሽም ማልትን ተጠቀምቲ ህፃናትን ምስጋና ይግብአኩም ብምባል ካልኦት ክፋላት ማሕበረስብና ‘ውን እቲ ፀገም ሰፊሕን ዝተሓላለኸን ምዃኑ ብምርድእ ብዓይነት ይኹን ብንዋት ሓገዝ ንክገብሩ ፀዊዖም።

Leave A Comment

Your Comment
All comments are held for moderation.

en_USEnglish
X