Uncategorized

ዝዓነዋ ትካላት ትምህርቲ ትግራይ ዳግም ንምሕዋይ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዝሐሸ ብርኪ ንምህናፅ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ስርዓት ትምህርቲ ምትእትታው ኣማራፂ ዘይብሉ ዕማም እዩ ተባሂሉ ።

ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ መቐለ ምስ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ብተጋሩ ዳያስፓራ ዝተጣየሸ ንዝተሃሰዩ ኣብያተ ትምህር ትግራይ ብቴክኖሎጂ ንምድጋፍ ዝሰርሕ ትካል (TELU) ብምትሕብባር ሰለስተ ራቼል ሰርቨርን 89 ላፕቶፓትን ብፓይለት ንዝተሓረያ ትካላት ትምህርቲ፤1 ራቼል ሰርቨርን 40 ላፕቶፓትን ንፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ፣ 1 ራቼል ሰርቨርን 40 ላፕቶፓትን ንካቶሊክ ቤት ትምህርቲ ኣባ ገብረሚካኤል ከምኡ’ውን 1 ራቼል ሰርቨርን 9 ላፕቶፓትን ንኢንስትቲዩት ቴክኖሎጂ መቐለ (MIT) ተዋሂቡ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ ዝተረኸቡ ምኽትል ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶ/ር ተኸስተ ብርሃኑ ፤ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ዝበፅሐን ከቢድ ዕንወት ብቴክኖሎጂ ብምድጋፍ ኣቢሉ ቅድሚ ኩይናት ይውሃብ ካብ ዝነበረን ልዕሊኡን ንምምሕያሽ ንፈተነ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ቓላሚኖን ኣባ ገብረሚካኤልን ዝጅመር ከምዘሎን ብቐፃልነት ድማ ኣብ ካልኦት ኣብያተ ትምህርቲ ‘ውን ተጠናኺሩ ንኽቅፅል ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብፍላይ ድማ ኤምኣይቲ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ ኢሎም።

ንፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ዝተውሃበ ሓገዝ ሓደ ራቼል ሰርቨር 40 ላፕቶፕን ዝተረከቡ ማናጂንግ ዳይሬክተር ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ዶ/ር መርሃዊ ኣብርሃ ከም ዝበልዎ፤ ትግራይ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዝበፅሓ ዕንወት ከቢድ እዩ። እዚ ዕንወት ብቐሊሉ ዝእለ እኳ እንተዘይኮነ እዚ ንምቕራፍ ዝሕግዝ ቴክኖሎጂ ኣድላይ እዩ ዝብል እምነት ብምሓዝ ሓገዝ ንዝገበሩ ኣባላት ቴክኖሎጂ መሰረት ዝገበረ ትምህርቲ ንዝተሃሰያ ኣብያተ ትምህርቲን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካን ኣመስጊኖም።

ነባርነቶም ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ዝገበሩ ኣባል ቴክኖሎጂ መሰረት ዝገበረ ትምህርቲ ንዝተሃሰያ ኣብያተ ትምህርቲ(TELU) ኣይተ ሃይለ ሚካኤል ኣብርሃ ብግዲኦም፤ እቲ ቴክኖሎጂ ትምህርቲ ንምትእትታው ዓሊሙ ዝተጣየሸ ትካል ከምዝኾነን እዚ ደገፍ መበገሲ ብምግባር ብቀፃልነት ኣብ ትግራይ ንዘለዋ ዝተሃሰያ ኣብያተ ትምህርቲ ንምስፉሕ ዝዓለመን ምዃኑ ብምግላፅ እቲ ተዋሂቡ ዘሎ ራቼል ቴክኖሎጂን ኮነ ላፕቶፓት ብዝቐለለ መልክዑ ባትሪ ተመሊአን ንሸሞንተ ስዓታት ዘገልግላ፣ ንኣጠቓቕምአን ኣዝየን ዝቐለላ ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዘገልግሉ መፃሕፍቲን ተፃዒነን ኸይዲ ዝመፃ ምዃነን ብምግላፅ ኣብዚ ሰናይ ሓቢሮምዎም ንዝሰርሑ ማልት ሰሜን ኣሜሪካን ካልኦትን ኣመስጊኖም።

ኣብቲ ምኽትል ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ መቐለ፣ ኣመራርሓ ማልትን ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖን፣ ኣመራርሓ ቤት ትምህርቲ ኣባ ገ/ሚካኤልን ዝተረኸቡሉ ስነ ስርዓት ርኽክብ መዕፀዊ ዘረባ ዘስምዑ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገብረእግዚኣብሄር ፤ ዓውዲ ትምህረቲ ትግራይ ዳግም ንምሕዋይ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዝሐሸ ብርኪ ንምህናፅ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ስርዓት ትምህርቲ ምትእትታው ኣማራፂ ዘይብሉ ብምዃኑ ክሕገዝ ማሕበር ልምዓት ትግራይ በቢእዋኑ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ሓቢራ እናሰርሐት ምምፅኣን ሐዚ ድማ ኣበርቲዓ ከም እትቕፅለሉ ሓቢሮም።

Leave A Comment

Your Comment
All comments are held for moderation.

en_USEnglish
X