Uncategorized

ማሕበር ህንፀት ዳግመ ሕውየት መፍረይቲ ኣቑሑት ኮንስትራክሽን መቐለ 165 ሽሕ ብር ንዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብሓገዝ ኣወፍዩ።

ማሕበር ህንፀት ዳግመ ሕውየት መፍረይቲ ኣቑሑት ኮንስትራክሽን መቐለ ኣብ ዘሳለጦ 2ይ ሓፈሻዊ ጉባኤ 165 ሽሕ ብር ብድርቂ ንዝተሃሰዩ ክፉላት ሕብረተሰብ ንክውሃበሎም ንዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብሓገዝ ኣወፍዮም።

እቲ ሓገዝ ገንዘብ 331 ኣባላት እታ ማሕበር ሕድሕዶም 500 ብር ብሓፈሻ 165,000.00 ኣብ ቅድሚ ጉባኤተኛታት ዝተውሃበ ሓገዝ ብቼክ ዘረከቡ ኣቦ ወንበር ቦርድ እታ ማሕበር ኣይተ ፀጋይ ሓድጉ ፤ ካብ ትምስረት 8 ወርሒ ዝመልኣ ማሕበሮም ብተናፀል ዝግበር ሓገዝ ኣብ ውፅኢቱ ውሱንነት ኣለዎ ዝብል እምነት ብምሓዝ ንኹሉ ኣብ ፅላላ ኣዕሲላ ንልዕሊ 35 ዓመት ኩለመዳይ ጠለብ መሰረተ ልምዓት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምምላእ ኣብነታዊ ተርኣ ዝተፃወተትን ትፃወትን ብዘላ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣቢሉ ብድርቂ ንዝተሃሰዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ንክውሃበሉ ብዝተወሰነ ውሳነ መሰረት ዝተገበረ ሓገዝ እዩ ኢሎም።

ነቲ ዝተውሃበ ሓገዝ ዝተረከቡ መተሓባበሪ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ከተማ መቐለ ኣይተ ተስፋይ ታደሰ ብግዲኦም፤ ንኸቢድ ሓደጋ ጥምየት ዝተቓልዑ ህፃናት ትግራይ ሓገዝ ኩሉ ማሕበረሰብ የድልዮም። እዚ ብዕሊ ዝተረድኡ ኣባላት ማሕበር መፍረይቲ ህንፀት ዳግመ ሕውየት መፍረይቲ ኣቑሑት ኮንስትራክሽን መቐለ ገይሮምዎ ንዘለው ሓገዝ ብምምስጋን ካልኦት ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ‘ውን ኣሰሮም ብምስዓብ ህዝብና ብዝተወደበ መልክዑ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽረክ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዝክኣሎም ደገፍ ንክገብሩ ፀዊዖም።

ማሕበር ህንፀት ዳግመ ሕውየት መፍረይቲ ኣቑሑት ኮንስትራክሽን መቐለ ኣብ ምፍራይ ብሎኬትን ቴራዞን ብዝተዋፈሩ ማሕበረሰብ ንግዲ ዝተመስረተ ምዃኑ ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ ተገሊፁ።

Leave A Comment

Your Comment
All comments are held for moderation.

en_USEnglish
X