Uncategorized

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብሓገዝ ሉሚኖስ ፈንድ ተሳልጦ ዘላ ካልኣይ ዕድል ትምህርቲ ውፅኢታውነቱ ንምግምጋም ዘኽእል ዳህሳስ ምዘና ተምሃሮን ልውውጥ ተሞክሮ መሰረት ዝገበረ ስልጠናን ኣካይዳ።

ኣብቲ አብ ወረዳ እንዳመኾኒ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ተስፋይ ፈረደን ኣስሓራን ዝተኻየደ ዳህሳስ ብቕዓትን ክእለትን ተምሃሮ ካልኣይ ዕድል ትምህርቲ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተመሓየሸ ይኸይድ ምህላዉ ዝገለፁ ኣብ ምዘና ተምሃሮ ዝተሳተፉ ኣሳለጥቲ መምህራን፤ሓደሽቲ ኣሳለጥቲ ተሞክሮ ንምውሳድ ከም ዝሕግዝ ሓቢሮም።

ኣብተን ኣብያተ ትምህርቲ ተረኺቦም ከይዲ ምዘና ዝተዓዘቡን ምስ ሰልጠንቲ መምህራን ዝዘተዩን ምክትል ፈፃሚ ዳይሬክተር ማልት ዶክተር ተስፋሁነኝ ሃ/ማርያም ፤ኣብዚ ፕሮጀክት ተሓቊፎም ኣብ ምስራሕ ዝርከቡ መሳለጥቲ መምህራን ኣብ ህንፀት ዜጋታት ዓብዪ ሓላፍነት ከም ዝተሰከሙ ተገንዚቦም ብሓልዮት፣ፍቕርን ምስትውዓልን ተምሃሮኦም ክሕግዙን ከብቅዑን ሓደራ ብምሃብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ነዚ ፕሮጀክት ጠመተ ሂባ ትሰርሕ ብምህላዋን ብ ሓገዝ ሉሚኖስ ፈንድን ውፅኢታውነት እቲ ስራሕ ብግልፂ ይርአ ምህላዉ ኣብሪሆም።

ኣብ ወረዳ እንዳመኾኒ ብማልትን ሉሚኖስ ፈንድን ይሳለጥ ኣብ ዘሎ ካልኣይ ዕድል ትምህርቲ ተጠርኒፎም ይመሃሩ ዘለዉ ህፃናት ኣብዚ እዋን ካልኣይ ክፍሊ በፂሖም ምህላዎም ዝገለፁ ኣብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ መተሓባበሪ ፕሮጀክት ካልኣይ ዕድል ትምህርቲ ኣይተ ወልዳይ ገ/ሃዋርያ ብወገኖም ነቲ በፂሖምዎ ዘለዉ ብርኪ ዝምጥን ፍልጠትን ብቕዓትን ኣማዕቢሎም ምዃኖም ንምርኣይ ዘኽእልን ዕዉትነት እቲ ፕሮጀክት ዘንፀባረቐን ምዘና ከም ዝተኻየደ ብምግላፅ ኣብ ትግራይ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰፊሕ ፀገም ንምቕራፍ ብቐፃልነት ኣስፊሕካን ኣማዕቢልካን ክስራሕ ይግባእ ኢሎም።

Leave A Comment

Your Comment
All comments are held for moderation.

en_USEnglish
X