Uncategorized

ማሕበር ኩለን ኣሓት ደቂ ኣንስትዮ ንሰላም ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምኽንያት ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ድርቂ ንዝገበረቶ ፃውዒት ምላሽ ብምሃብ 500,000 ብር ሓገዝ ገይረን

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ መላእ ዓለም ንዘሎ ትግራዋይን ፈታዊ ልምዓት ህዝቢ ትግራይን ኣብ ትግራይና ንዘጋጠመ ኣዝዩ ኸቢድ ዝኾነ ሓደጋ ድርቂ ህፁፅ ምላሽ ንምሃብ ንዝቕረበቶ ኩለመዳይ ፃውዒት ሓገዝ ብፍሉይ ኣብ ክንክን ኣዴታትን ህፃናትን ዝነጥፋን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝመደብሩ ማሕበር ኩለን ኣሓት ደቂ ኣንስትዮ ንሰላም (All my sisters around the world for peace) ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ብዘለዋ ቦርድ ኣባላት ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣቢሉ ንክባፀሐለን ዝልኣኸኦ ሓገዝ 500,000 ብር ኣረኪበን።

ነቲ ሓገዝ ዘረከባ ኣዶ መንበር ቦርድ ማሕበር ኩለን ኣሓት ደቂ ኣንስትዮ ንሰላም ጨንፈር መቐለ ሲስተር ኣበራሽ ሕሉፍ ከምዝበለኦ ኣባላት እታ ማሕበር ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ንምቅላል ከምኡ’ውን ድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብ ትግራይ ዝተኣወጀ ቅሉዕ ጀኖሳይዳዊ ኩይናት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዴታትን ትግራይ ዝበፅሐ ኩለመዳይ ማህሰይቲ ንምቅላል ዝዓለሙ ሓገዛት እናገበራ ከምዝመፃን ሐዚ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ንዘሎ ድርቂ ስዒቡ ንዝተፀገሙ ክፋላት ሕብረተሰብ ብውሱን መልክዑ ንምሕጋዝ ዝተገበረ ሓገዝ 500 ሽሕ ብር ምዃኑ ገሊፀን።

ማሕበር ኩለን ኣሓት ደቂ ኣንስትዮ ንሰላም (All my sisters around the world for peace) ቅድም ክብል ምስ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምትሕብባር ብልዕሊ 300 ሽሕ ብር ወፃኢ ዝተዓደገ ፎጣ ዝተፀገማ ሓራሳት ኣዴታት ህፃናት ቆልዑ ንክቕበላሉ ን24 ማእኸለዎት ትካላት ጥዕና ትግራይ ከምዝከፋፈላ ብምሕባር ሐዚ ‘ውን እቲ ሓገዝ ንማልት ብምርካብ ብቕልጡፍ ናብ ተጠቀምቲ ንክባፃሕ ከምዘረከባ ሓቢረን።

እቲ ብማሕበር ኩለን ኣሓት ደቂ ኣንስትዮ ንሰላም (All my sisters around the world for peace) ብድርቂ ብኸቢድ ንዝተሃሰዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ንክውዕለለን ዝሃበኦ ሓገዝ ፍርቂ ሚልዮን ብር ብቕልጡፍ ናብ ተጠቀምቲ ክባፃሕ እዩ ዝበሉ ምክትል ፈፃሚ ዳይሬክር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶ/ር ተስፋሁነኝ ሃይለማርያም ብወገኖም፤ ነቲ ዝተገበረ ሓገዝ ብምምስጋን ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ትግራዋይን ፈታዊ ልምዓት ህዝቢ ትግራይን፤ ማሕበራትን ትካላት ገበርቲ ሰናይን እቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙና ዘሎ ሓደጋ ድርቂ ኣዝዩ ኸቢድን ብምዃኑ ዝክኣሎም ሓገዝ ብምግባር ሂወት ብጥሜት ዝሳቐዩን ዝሞቱን ዘለው ዜጋታት ኣብ ምድሓን ክነጥፉ ፀዊዖም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ ሓገዝ ገንዘብ ማሕበር ኩለን ኣሓት ደቂ ኣንስትዮ ንሰላም ንዝፈፀመኦ ሰናይ ተግባር ምስጋና ወረቐት ተበርኪቱለን።

Leave A Comment

Your Comment
All comments are held for moderation.

en_USEnglish
X