Uncategorized

ትግራይ፤ ስርዓት ኣመጋግባ ኣዶታትን ህፃውንትን ብምምሕያሽ መሃዛይን ተመራማራይን ወለዶ ኣብ ምፍጣር ኩሉ ክረባረብ ኣለዎ

ስነ መዓዛ ዝሓወሰ ስርዓት ኣመጋግባ ምህላ ኣዶታትን ህፃውንትን ጥዕነኦም ዝተሓለወ ንክኸውን፣ ፅቡቕ ዝኾነ ኣእምሮ ንክውንኑ፣ ጠንካራ ዝኾነ ስርዓት ምክልኻል ሕማም ንክህልዎም፣ ውሑስ ስርዓተ ፅንስን ወሊድን ንክህሊ፣ ስግኣት ምቅላዕ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝተሓተ ንክኸውንን ነዊሕ ዕድመ ንክህልዎምን ካብ ምግባር ብተወሳኺ ህፃውንቲ ዝሓሹ ተምሃሮ ኮይኖም ንክወፅኡ ኣብ ምግባር ዓብዪ ኣበርክቶ ዘለዎ ምዃኑ ሳይንሳዊ ሓቂ’ዩ።

ይኹን’ምበር ኣብ ገጠራት ትግራይ ዝነብር ማሕበረሰብና ኣብ ስነ መዓዛን ረብሑኡን ዘለዎ ትምህርትን ግንዛበን ትሑት ብምዃኑ ኣብ ስርዓት ኣመጋግባ ክቕረፉ ዝግበኦም ፀገማት ከምዘለው ንምርዳእ ከቢድ ኣይኮነን። ነኣብነት ስነ መዓዛ ዘለዎም ዓይነት ምግብታት ኣብ ቀረባኻ እናሃለው ዘይምጥቃምን ኣመጣጢንካ ዘይምምጋብን ዝኣምሰሉ ነገራት ይርኣዩ’ዮም።

ብተወሳኺ ድማ ሓንቲ ኣዶ ፅንሲ ካብ እትጅምር ጀሚሩ ኩልሻዕ ስነ መዓዛ ዘለዎ ምግቢ ክትምገብ ዝግባኣ ዋላ እኳ እንተኾነ ብሰንኪ ባህላውን ሃይማኖታውን ምኽንያታት ዘይምገባ ኣዶታት ብርክት ዝበላ’የን። እዚ ድማ ኣብ’ታ ኣዶን ዕሸልን ኣካላውን ኣእምሮኣውን ዕብየት ዘብፅሖ ጉድኣት ኣዝዩ ከቢድ ብምዃኑ ዝሓሸ ወለዶ ንከይፍጠር ካብ ዝገብሩ ጎዳእቲ ልምድታት ሓደ’ዩ።

ከምዝፍለጥ እቲ ዝበዝሕ 85% ህዝብና ኣብ ገጠር ዝነብር ብምዃኑ ኣብ ስነ መዓዛን ረብሑኡን ብዝምልከት ኣወንታዊ ማሕበረሰባዊ ባህርያዊ ለውጢ ንክመፅእ ኣብ ምግባር ዋኒን ኩሉ ማሕበረሰብ ዋላ እኳ እንተኾነ በብኸባቢኡ ዝርከቡ ሙያተኛታት ጥዕናን መራሕቲ ሃይማኖትን ድማ ዝዓበየ እጃም ስለዘለዎም በዚ ኣጋጣሚ እጃሞኩም ንክትዋፅኡ ንላቦ።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ስነ መዓዛን ዝተመጣጠነ መግቢ ምምጋብን ንምምሕያሽ ፅርየት ትምህርቲ ዘለዎ ኣበርክቶ ብምርዳእ ከም ሓደ ቁልፊ ስትራተጂክ ሽቶ ብምሓዝ ናብ መላእ ትግራይ ንምስፍሕፋሕ ከምኡ’ውን ኣብ ስርዓት ኣመጋግባን ስነ መዓዛን ኣወንታዊ ባህርያዊ ለውጢ ንመምፃእ ትልሚ ሓንፂፃ እናወገነት ትርከብ።

Leave A Comment

Your Comment
All comments are held for moderation.

en_USEnglish
X