Charity

ትካል ኣለናቴክ ማሕበር ልምዓት ትግራይ “ውህብቶ ሓዱሽ ንተምሃሮ ትግራይ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንዝቐረበ ፃውዒት ልምዓት ብምቕባል 100 ሽሕ ብር ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ ትካል ኣለናቴክ ወኪለን ንዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ዘረከባ ወ/ሪት ፀጋ ገብረመድህን እቲ ትካል ቅድም ክብል ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ይቐርቡ ንዝነበሩ ፃውዒታት ልምዓት ተቐቢሉ እናሓገዘ ከምዝመፀን ሐዚ ‘ውን ኣብ ጎኒ እታ ትካል ኮይኑ ደገፋ ኣጠናኺሩ ዝቕፅል ምዃኑ ገሊፀን።

ነቲ ሓገዝ ዝተቐበሉ ኣብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተወካሊ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ውዳበ ኣባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን ኣይተ ታደሰ ተኽላይ ብወገኖም፤ ትካል ኣለናቴክ ብሽም ማልትን ተጠቀምቲ ብምምስጋን ካልኦት ትካላት ‘ውን ኣሰሮም ክስዕቡ ፀዊዖም።

Leave A Comment

Your Comment
All comments are held for moderation.

en_USEnglish
X