Uncategorized

ማልት ምስ ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት መቐለ ስነስርዓት ፊርማ ውዕሊ ስምምዕ ሓቢርካ ምስራሕ ኣሳሊጣ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ትግራይ ንእትውግኖም ዘላ ዓበይቲ ውራያት ምገባ ተምሃሮ አብ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ምስፍሕፋሕ ስነ መዓዛን ምምሕያሽ ስርዓት ኣመጋግባን፣ ምትእትታው ዲጂታል ትምህርትን ግልጋሎት ጥዕናን ከምኡ’ውን ካልኦት ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ዝውዕል ስራሕቲ ሃፍቲ ምትእኽኻብ ንክውግኑ ምስ ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት መቐለ ሓቢርካ ንምስራሕ ዘኽእል ሓለፍትን አባላትን ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ክልል ትግራይ፣ ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት መቐለ፣ ቤት ምክሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን መቐለን ከምኡ’ውን ተወካሊ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ኣባላት ውዳበን ምትእኽኻብ ሃፍትን ማልት ኣይተ ታደሰ ተኽላይን መተሓባበሪ ማልት ጨንፈር ዞባ መቐለ ኣይተ ተስፋይ ታደሰን ኣብ ዝተረኸቡሉ ስነስርዓት ፊርማ ውዕሊ ስምምዕ ኣሳሊጣ።

ዕላማ እቲ ስምምዕ ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት መቐለ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንተሳልጦ ዕማማት ልምዓትን ሰብኣዊ ሓገዝን ዝኸውን እቲ ማሕበር ከክንዲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኮይኖም ካብ ኣባላቶም እቶት ንክእክቡ ካብ ዝኣከብዎ 10 ሚኢታዊ ንስራሕ መካየዲ ክጥቀሙ 90 ሚኢታዊ ድማ ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ ተግባር ብምቕያር ኣታዊ ንክገብሩን ዓመታዊ ክፍሊቶም ኮይኑ ንክቕፅልን ምርድዳእ ብምፍጣር ዝተኻየደ ስነስርዓት ፊርማ’ዩ።

ብሽም ማልትን ተጠቀምትን የቐንየልና! ንሕበር ህዝብና ብሓባር ንሓግዝ!

Leave A Comment

Your Comment
All comments are held for moderation.