Helping

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ልዕሊ 2 ነጥቢ 6 ሚልዮን ብር ንሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣረኪባ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ ኒው ኢንግላንድ መኸተ ቦስተን ብር 2,031,724 ካብ ኣባላት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ከባቢ ትሪ ስቴት ኒውዮርክ ዝተረኸበ 590 ሽሕ ብር ብሓፈሻ ብር 2,621,724 ዝተልኣኸ ገንዘብ ሎሚ ዕለተ ቀዳም 12 ሚያዝያ 2016 ዓ/ም ንግብረ ሓይሊ ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ሓገዝ ኣበርኪታ።

ኣብቲ ዝተሳለጠ ስነ ስርዓት ርኽክብ ዘተረኸቡ ኣብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ፋይናንስን ምምሕዳርን ኣይተ ግደይ ኣየለ እቲ ሓገዝ ኣብዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ገጢሙ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ደገ ዝነብሩ ተጋሩ ዝተልኣኸዎ ምዃኑ ገሊፆም።

ሐዚ ህዝቢ ብዘጋጠሞ ሓደጋ ድርቂ ንዝኸፍአ ኢኮኖሚያዊ ቅልውላው ተቓሊዑ ይርከብ ዝበሉ ኣይተ ግደይ ማሕበር ልምዓት ትግራይ እዚ ብዝተወደበ መልክዑ ንምፍታሕ ኣንፈት ኣነፂራ ትሰርሕ ብምህላዋ ሐዚ ‘ውን ኣብ ጎኒ ማልት ብምዃን ሓገዞም ንከጠናኽሩ ተላብዮም።

ነቲ ሓገዝ ዝተረኸቡ ኣባል ግብረ ሓይሊ ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ወንጌላዊ ምሕረትኣብ ብርሃነ፤ ነቲ ዝተገበረ ሓገዝ ብምምስጋን ሕዚ ‘ውን እቲ ፀገም እናበኣሰ ይኸይድ ብምህላው ኣብ ውሽጢ ዓድን ካልኦት ወፃእን ዘሎ ትግራዋይ ህዝብና ብምሕጋዝ ካብ ከቢድ መከራ ነድሕኖ ክብሉ ፀዊዖም።

Leave A Comment

Your Comment
All comments are held for moderation.