Education

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ፤ ብምትሕብባር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ካብ ፔታል ትሬዲንግ ሓ/ዝ/ዉ/ማ ዝተብሃለ ኣብ ቀረብ እታወታት ሕርሻ ዝነጥፍ ትካል ብ1,136,400 ብር ዝተዓደገ ን1220 ተምሃሮ ተጠቀምቲ ዝገብር 120 ኩንታል ፊኖ ኣብ ወረዳ ኣፅብን ወጀራትን ንዝርከባ ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ኣባፂሓ።

እቲ ንግልጋሎት ምገባ ተምሃሮ ዝውዕል ሓገዝ ናብተን ኣብያተ ትምህርቲ ዘባፅሑ ኣብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ መተሓባበሪ ፕሮግራማት ትምህርቲ ኣይተ ወልዳይ ገ/ሃወርያ፤ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ ፔታል ትሬዲንግ ሓ/ዝ/ዉ/ማ ዝረኸበቶ ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ን800 ተምሃሮን ኣብ ወረዳ ወጀራት ን420 ተምሃሮን ተጠቀምቲ ዝገብር 120 ኩንታል ፊኖ ትካል ፔታል ትሬዲንግ ሙሉእ ወፃኢ ሸፊኑ ከም ዝተኸፋፈለ ብምሕባር እቲ ምገባ ተምሃሮ መጠን ምቁራፅ ትምህርትን ምብኳርን ብምቕናስ ተምሃሮ ሙሉእ ቀልቦም ኣብ ትምህርቶም ንኽገብሩ ወሳኒ እዩ ኢሎም።

ኣይተ ወልዳይ ገ/ሃወርያ ወሲኾም ማልት ምገባ ተምሃሮ ካብ እትጅምር ኣዕጋቢ ውፅኢት ዝረኸበትሉ ፕሮጀክት ምዃኑ ብምዝኽኻር እቲ ሐዚ ዝተገበረ ሓገዝ መቐፀልታ ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ፣ እንዳመኾኒን ሽረን እትገብሮ ዘላ መደብ ምገባ ተምሃሮ ከም ዝኾነን እታ ትካል ዘለዋ ሰፊሕ ልምድን ተሞክሮን ብምጥቃም ኣብ ኩለን ብድርቂ ዝተሃሰያ ከባብታት ትግራይ ፍትሓዊ ተቃምነት ንክህሉ ትሰርሖም ዘላ ስራሕቲ ውፅኢታውነቶም ዝያዳ ንክዓቢ ግደ ኩሉ ማሕበረሰብ ወሳኒ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ነቲ ሓገዝ ዘረከቡ ወኪል ፔታል ትሬዲንግ ሓ/ዝ/ዉ/ማ ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ዘሚካኤል ሃ/ማርያም ብወገኖም ተምሃሮ ትግራይ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዝበፅሖም ቁጠባውን ስነ ልቦናውን ቅልውላው ከይኣክል ሐዚ ድማ ብሰንኪ ሕፅረት ምግቢ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከይተርፉ ንክሕግዙ ካብ ማልት ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ዝቐረበሎም ፃውዒት ብምቕባል ብልዕሊ ሓደ ሚልዮን ብር ወፃኢ ዝተዓደገ ፊኖ ናብተን ኣብያተ ትምህርቲ ብኣካል ብምኻድ ከም ዘረከቡ ብምግላፅ ፤ማልት ቀዳምነት ሂባ ተሰጉሞ ዘላ ፕሮግራም ምገባ ተምሃሮ ኣዝዩ ዝነኣድን ብፍላይ ሰብ ሃፍትን ዝተምሃረ ሓይልን ነዚ ሰናይ ተግባር ብምስዓብ ኣብ ህንፀት ተረካቢ ዓዲ ወለዶ እጃሞም ከበርክቱ ፀዊዖም።

ነቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ከተማ ኣፅቢ መምህር ትርሓስ ብርሃነን ኣብ ወረዳ ወጀራት 20 ዓዲ ርእሰ መምህር ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ፀሓፍቲ መምህር ሙሉ ኣበራን ብወገኖም ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2016 ብሰንኪ ድርቅን ጥሜትን ተምሃሮ ግዳያት ስደትን ምቁራፅ ትምህርትን ከም ዝኾኑ ፤ ማልት ብዝጀመረቶ ፕሮግራም ምገባ ተምሃሮ መጠን ምቁራፅ ክዕገትን ተምሃሮ ናብ መኣዲ ክኸቱ ከምዝገበረን እቲ ሐዚ ዝተገበረ ሓገዝ ንዝቕፅሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ከም ዘገልግሎምን ገሊፆም።

ኣብ መወዳእታ ፔታል ትሬዲንግ ሓ/ዝ/ዉ/ማ ተምሃሮ ትምህርቶም ብኣግባቡ ንክመሃሩ ካብ ምግባር ሓሊፉ ኣብ ስራሕቲ ምድሓን ህይወት ንዝገበሩዎ ሓገዝን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ድማ ናውቲ ትምህርቲ ካብ ምምላእ ብተወሳኺ ብምገባ ተምሃሮ ኣቢላ ተሳልጦም ዘላ ዓበይቲ ስራሕቲ ህንፀት ወለዶ ብምምስጋን ሒዛቶም ዘላ መደባት ልምዓት ንምዕዋት ድማ ግደ ኩሉ ክፋል ማሕበረሰብ ወሳኒ እዩ ኢሎም።

Leave A Comment

Your Comment
All comments are held for moderation.