Uncategorized

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ሒዛቶ ንዘላ ፕሮጀክት ዳግመ ህንፀት ትግራይ ንምስላጥ ዝሕግዝ ምስ ካብ ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝጉዓዛ ዘመነዎት ኣውቶቡሳትን ብብሄራዊ ሎተሪ ኣፍሉጦ ምስ ዘለዎም መዘናግዒ ቢንጎ ሎቶሪን ሓባራዊ ውዕሊ ተፈራሪማ።

ኣብቲ ሎምዓንቲ ዝተሳለጠ ሓበራዊ ስምምዕ ፊርማ ተዋፅኦ ማሕበራዊ ሓላፍነት ካብ ትግራይ መበገሲአን ዝኾና መጓዓዝያ ዘመነዎት መጓዓዝያ ህዝቢ ሰላም፣ ሓበሻ፣ ኣባይ፣ ኣፍሪካ፣ የኛን ግዮንን ካብ ሕድሕድ ተጓዓዛይ ብመሰረት ዝተቐመጠለን ተመን ታረፍ 10 ቅርሺ ከምኡ’ውን ብብሄራዊ ሎቶሪ ኣፍልጦ ዘለወን 20 ወነንቲ ትካላት ቢንጎ ካብ ወርሓዊ እቶቶም ካብ 5 ሽሕ ክሳብ 10 ሽሕ ብር ክፍሊት ማሕበራዊ ሓላፍነት ንክዋፅኡ ዘኽእል ሓበራዊ ውዕሊ ስምምዕ ፊርማ ምዃኑ ተገሊፁ።

ኣብቲ ስምምዕ ፊርማ ስራሕ ዝተረኸቡ ምኽትል ፈፃሚ ስራሕ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶ/ር ተስፉሁነኝ ሃይለማርያም፤ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተረባሕነት ህዝቢ ዘረጋገፁ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት እናወገነት ምዃና ብምግላፅ ማሕበራት ኣክስዮን ዘመነዎት መጓዓዝያ ህዝቢ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንዝገበረቶ ፃውዒት ልምዓት ቅቡል ብምግባር ማሕበራዊ ሓላፍነቶም ንምውፃእ ዘኽእል ውዕሊ ስራሕ ምፍርራሞም ብሽም ማልትን ተጠቃማይ ህዝብን ኣመስጊሮም

ሓላፊ ቢሮ መንገዲ መጓዓዝያን መራኸቢን ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ታደለ መንግስቱ ብወገኖም፤ ህዝቢ ትግራይ ገጢሙዎ ዘሎ ማሕበረ ቁጠባዊ ቅልውላው ዝእለ ብሓበራዊ ተሳትፎ ህዝቢ ምዃኑ ብምእማን ምስ ሹዱሽተ ፍሉያት ግልጋሎት መጓዓዝያ ኣውቶቡሳት ኣብ ብዝተገበረ ምርድዳእ ማሕበራዊ ሓላፍነትና ክንዋፅእ ኣለና ብዝብል ተበግሶ ከምዝተወሰነ እዚ ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ስሙር ግንባር ፈጢሩ ከምዝሰርሕ ገሊፆም ።

ማልት ምስ ቢሮ መንገዲ፣ መጓዓዝያን መራኸብን ብሄራዊ ሎተሪን ትካላት ቢንጎን ውዕሊ ስራሕ ብምፍርራም ህዝብና ብዓቕምና ንምሕጋዝ ዘኽእል ኣሰራርሓ ምዝርግሑ ሕጉሳት ኢና ኢሎም።

ብመሰረት እቲ ዝተገበረ ሓበራዊ ውዕሊ ስራሕ

ካብ 23 መጋቢት 2016 ዓ/ም ተግባራዊ ከምዝኸውን ምርዳእ ተኻኢሉ።

Leave A Comment

Your Comment
All comments are held for moderation.