Uncategorized

ኣባላት ሓይሊ ዕማም ሕርሻ ትግራይ፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ሕርሻ ቓላሚኖ እትውግኖም ዘላ ስራሕቲ ሓመድ ኣልቦ ሕርሻን ልምዓት ሃፍቲ እንስሳን ናብ ሓረስታይን ንተጠቀምቲ ከተማ ሕርሻን ተረባሒ ንምግባር ዝተዋደደ ስራሕቲ ከምዝስራሕ ገሊፆም።

ብመሪሕነት ቢሮ ልምዓት ሕርሻ ገፀርን ብኣተሓባባርነት ትካል መግብን ሕርሻን ዓለም (ፋኦ) ፣ ኣብ ዘፈር ሕርሻ ዝዋፈሩ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት፣ ሰብ ሃፍትን ብሓባር እናዘተየ ኣብ ሕርሻ ዝርኣዩ ፀገማት ንምእላይ ዓሊሙ ብሰብ ሞያ ሕርሻ ዝተዋቐረ ሓይሊ ዕማም ሕርሻ ትግራይ ኣብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ሕርሻ ቓላሚኖ ዝስርሑ ዘለው ስራሕቲ ሓመድ ኣልባ ሕርሻን ልምዓት ሃፍቲ እንስሳን ዑደት ብምግባር እቲ ሓይሊ ዕማም ዝሰርሖም ዘሎ ብቐፃልነት ኣብ ዝዓሞምን መደባት ሓበራዊ ዘተ ኣሳሊጡ።

ኣብቲ ካብ 25 መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ዝተሳፉሉ ሓበራዊ ዘተን ዑደትን ዝተረከቡ ምክትል ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶ/ር ተስፋሁነኝ ሃይለማርያም፣ ብሰንኪ ኲናትን ተፈጥራዊ ሓደጋታትን ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሖ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ንምእላይ እናሰርሐት ዝመፀት ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ሎሚ እውን ከም ቀደማ ኣብ እዋን ዕፅዋን ክባን ብዝተፈጠረ ስእነት ሰላም ኣብ ዘፈር ሕርሻ ዝበፅሐ ጉድኣት ሰፊሕ ምዃኑ ብምግንዛብ ኣብ ሕርሻ ትግራይ ዝተረኣዩ ፀገማት ብምዝታይ መፍትሕታት እናቐመጠ ይጉዓዝ ምስ ሓይሊ ዕማም ሕርሻ ትግራይ በብእዋኑ ተሞክሮታት እናወሃደ እቶም ፀገማት ንምፍታሕ ትሰርሕ ምህላዋ ኣረዲኦም፡፡

ኣብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ሕርሻ ቓላሚኖ ዝውገኑ ዘለው ስራሕቲ ሓመድ ኣልቦ ሕርሻን፣ ልምዓት ሃፍቲ እንስሳን ዑደት ብምስላጥ ሓበራዊ ዘተ ዘሳለጠ ሓይሊ ዕማም ሕርሻ ትግራይ፤ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ትግራይ ምስ መድረግቲ ኣካላት ስሙር ግንባር ብምፍጣር ፀገማት ሕርሻ ብዝተዋደደ መልክዑ ንምእላይ በብክልተ ሰሙኑ ኣብ ዘካየድ ዑደትን ዘተን ዝተረኸበ ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ፀገርን ትግራይ ዶ/ር እያሱ ኣብርሃ ኣብ ዘፈር ትምህርትን ጥዕናን ልዑል ጠመ ሂባ እናሰርሐት ዝመፀት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብዚ እዋን ኣብ ህዝብና ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ምግቢ ውሕስና ብምርዳእን ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዝዓለሙ ስራሕቲ ትውግን ምህላዋን እዚ ናብ ካልኦት ወረዳታት ንምስፋሕ ኣብ እተካይዶም ዘላ ምንቅስቓስ ድማ ኣድላይ ዘበለ ደገፍ ክገብር እዩ ኢሎም።

ኣብ ማእኸል ኢቨስትመንት ሕርሻ ቓላሚኖ ኣብ ዝተሳለጠ ዑደትን ሓበራዊ ዘተን ክሳተፉ ዝረኸብናዮም ኣብ ማእኸል ባዮ ቴክኖሎጂ ትግራይ መተሓባበሪ ክፍሊ ቴክኒክ ኣይተ ሓዱሽ ፀሃየ ብግዲኦም፤ ሓመድ ኣልባ ሕርሻ በዝሒ ህዝቢ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ኣብ ዝነኣሰ መሬት ንምፍፃም ዘኽእል ኮይኑ ብፍላይ ንከተማ ሕርሻ ተመራፂ ቴክኖሎጂ ከምዝኾነ ብምሕባር ኣብቲ ማእኸል ዝውገን ዘሎ ስራሕቲ ሓመድ ኣልባ ሕርሻ ብዋናነት ከምኡ’ውን ልምዓት ሃፍቲ እንስሳን ምድላው ቐለብ እንስሳን ከይዲ ኣፈፃፅምኡን ብኣካል ምርኣዮም ስራሕቲ ሕጉስ ምዃኖምን ብቐፃልነት ምስቲ ትካል ሓበራዊ ውዕሊ ስራሕ ተፈራሪምካ ንምስራሕ ዝዕድም ዓቕሚ ተፈጢሩ ከምዘሎን ብቐፃልነት እዚ ንምስፋሕ ኣብ ዝግበር ምንቅስቃስ ካብኦምን ትካሎምን ዝድለ ዓቕሚ ንምዕራፍ ዘኽእል ስራሕ ንምስራሕ ትልሚ ከምዝለዎም ኣረዲኦም።

Leave A Comment

Your Comment
All comments are held for moderation.