Uncategorized

ኣመራርሓን ሰራሕተኛትን ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ብዓል ማርች 8 ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣብዒሎም

ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ብብርኪ ዓለም ንመበል 113 ብብርኪ ሃገር ን48 ግዝ ይብዓል ዘሎ ዓለምለኸ ማዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ማርች 8 ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣብዒሎም።

ኣብቲ ብዓል ዝተረኸቡ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ዶ/ር መርሃዊ ኣብርሃ ፤ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ተወዳዲረን ዝኣትወኦ እዚ ቤት ትምህርቲ ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብዓል ማርች 8 ንብርክት ዝብሉ ዓመታት እናተብዓለ ከምዝመፀን ይኹን ‘ምበር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተወለዐ ጂኖሳይዳዊ ኩይናት ብምዕፃው ምኽንያት ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ተቋሪፁ ዝፀንሐ ዋላ እኳ እንተኾነ ደቂ ኣንስትዮ ብዝተሓወሰኦ ቃልሲ ኣቢሉ ኣብ ትግራይ ብዝተፈጠረ ኣንፃራዊ ሃዋህው ሰላም ሐዚ ብዓቅሚ መዕበይ ስልጠና ፍሉይ ሓገዝ ንደቂ ኣንስትዮን ብምሃብን ተሰኒዩ ምብዓሉ ሕጉስ ምዃኖም ገሊፆም።

ዓለም ዓቕምን ረብሓን ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይ ብምስርሓ ዓብይ ተሳትፎ ምርግጋፅ ተኻኢሉ እዩ ዝበሉ ዶ/ር መርሃዊ፤ ኣብ ትግራይና ‘ውን ደቂ ኣንስትዮ ኣንፃር ኩሎም ወፅዓታት ብምቅላስ ታሪክ ዘይርስዖ ገድሊ ፈፂመን ተዓዊተን እየን፤ እዚ ኣጠናኺርካ ብምቕፃል መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ተምሃሮ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብብርኪ ዓለም ተወዳደርቲ ዝኾናሉ ባይታ ንምፍጣር መዓልታዊ ደገፍ ክገብሩ ፀዊዖም።

ተወካሊት ስርዓተ ፆታ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ወ/ሮ ንግስቲ ፀጋይ ብግዲአን፤ ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ማርች 8 ምኽንያተ ብምግባር ንማሕበረሰብ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ፆታዊ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዝዓለመ ስልጠና ከምዝተውሃበን ብተመሳሳሊ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ካብ ዝምሃራ ን250 ፅጉማት ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዩኒሴፍ ዎሽ ዲፓርትመንት ብዝተረኸበ ሓገዝ መናፅሂ ከምዝተውሃበን ኣረዲአን፤

ተሳታፊት እቲ ብዓል ዝኾነት ተምሃሪት ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ መቅደስ ኪሮስ ብወገና፤ እቲ ብዓል ምኽንያተ ብምግባር ካብ ዝተውሃበ ዓቕሚ መዕበይ ስልጠና ምክልኻል ፆታዊ ጥቕዓት ፅቡቕ ግንዛበ ከምዝረኸበት እቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዝተውሃበ ሓገዝ መናፅሂ ድማ ዘለወን ጊዝያዊ ፀገም ዝኣልን ብቐፃልነት ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ኣጠናኺሮም ክድግፉን ‘ውን ወዊዓ።

Leave A Comment

Your Comment
All comments are held for moderation.