ካብ ብሄራዊ ሎተሪ ኣፍልጦ ረኺቦም መንግስታዊ ፍቓድ ተዋሂቡዎም ኣብ ስራሕቲ ቢንጎ ይነጥፉ ዘለዉ 20 ማሕበራት ካብ ወርሓዊ እቶቶም ካብ 5,000-10,000 ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ንምልጋስ ቃል ኣትዮም።
እቶም ኣብ ከተማ መቐለ ዝሰርሑ ማሕበራት ቢንጎ ዝገብሩዎ ሓገዝ ብሰንኪ ጥሜት ንዝተጎድኡ ወገናት ዝውዕል ምዃኑ ብምሕባር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብቐፃልነት ኣብ እትዓሞም ዋኒናት ብምስታፍ ማሕበራዊ ሓላፍነቶም ከም ዝዋፅኡ ገሊፆም።