Uncategorized

ሰራሕተኛታት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣኽቢሮም

ምክትል ፈፃሚ ዳይሬክተር ማልት ዶ/ር ተስፋሁነኝ ሃ/ማርያም ኣብቲ ስነ ስርዓት ተረኺቦም ሰናይ ትምኒቶም ብምግላፅ ፤ ደቂ ኣንስትዮ እዚ ዘመን ብዝተፈላለየ መንገዲ ንቕድሚት እናመፃን ዓርሰን እናብቅዓን ይኸዳ ዋላ እኳ እንተሃለዋ ሐዚ ‘ውን ባዕለን ካብ ዝገብርኦ ፃዕሪ ብተወሳኺ ዝበቕዓሉን ካብ ጥቕዓት ዝሕለዋሉን መስርሕ ክህሉ ይግባእ ኢሎም።

ነቲ በዓል ምኽንያት ብምግባር ሓፂር ዘተ ዘካየዳ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ማልት ብወገነን ፤ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ እትምስረት ጀሚሩ ኣብ ምዕባይ ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዓበይትን ህይወት ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት ክፋላት ማሕበረሰብን ዝልውጡ ስራሕቲ እናዓመመት ከም ዝመፀት ብምሕባር ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ማልት እታ ትካል ሒዛቶም ዝተበገሰት ዓበይቲ ሸቶታት ኣብ ምዕዋት ርኡይ ተራ ንኽህልወን ዘኽእሉ ስራሕቲ ምዕባይ ዓቕሚ ትኹረት ተዋሂቡዎም ክስርሑ ተላብየን ።

Leave A Comment

Your Comment
All comments are held for moderation.